ገለ ካብ ስድራቤትኩም ናይ ጥዕና ጸገም ከም ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ወይ ወልፍታት ዘለዎ ኣሎ ድዩ? 

ምስ ዝተፈላለዩ ኣብ ከተማ ጌትስሄድ ዝርከቡ ሕብረተሰባት ንሰርሕ። ኣብ`ዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ተወፋይነት ዘለዎ ሓበሬታ ገጽ ናይ ነፍሲ-ወከፍ ጉጅለ - ኮሚኒቲ ተመልከት/ቲ። 

http://www.doctorsoftheworld.org.uk/coronavirus-information#  

ኣገልግሎት ኣልያ ጌትስሄድ - ን ኣለይቲ ዝምልከት ሓገዝን ደገፍን

ኣገልግሎት ኣልያ ጌትስሄድ  (Gateshead Carers) ንእንግሊዘኛ ቋንቓ ተዛረብቲ ዘይኮኑ ኣለይቲ ፡ኣገልግሎት ንምሃብ ዘኽእል ቀረብ ኣገልግሎት ኣተርጓሚ ብቴለፎን ጀሚሩ ኣሎ። ስለዚ ሓገዝ እንተደሊኹም በዚ ዝስዕብ  ኢመይል፡ [email protected] ብዝመረጽክሞ ቋንቓ ስምኩምን ቁጽሪ ቴለፎንኩምን ብምጥቃስ ጽሓፉልና ወይ ድማ ናብ`ዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ቴለፎን፡ 07546304752 ብቋንቓኹም መልእኽቲ ጽሓፉልና።

ሰራሕተኛታት ኣባላት ኣገልግሎት ኣልያ ጌትስሄድ ካብ ገዛ ስርሖም የካይዱ ኣለዉ፡ ስለዚ ንኣለይቲ  ምስ ናይ ኣልያ ዝተሓሓዝ ጉዳያት ክሕግዙ ቅሩባት እዮም። ንኣብነት ንምጥቃስ ከም ድሕነት ጥዕና፣ ቅጥዒ ምምላእ መንግስታዊ ሓገዝ/በነፊት ከም ንኣለይቲ ዝውሃብ ፋይናንሳዊ ደገፍ ወይ ኬረርስ ኣለዋንስ (Carers Allowance)፣ ኣቴንዳንስ ኣለዋንስ (Attendance Allowance)፣ ኣለይቲ ኣብ ድሕነት ገዛእ ርእሶም ኣቓልቦ ንኽገብሩ ዘኽእሎም ፋይናንሳዊ ሓገዝን ደገፍን ንምርካብ ኣብ ዝግበር ምምላእ ቅጥዕን ምምልካትን ወይ`ውን ከም ፍርጅን ፍርናሽን ዝኣመሰለ ሓደ-ሓደ ኣድለይቲ ነገራት ንምርካብ ዘክእል ኣድላይ ደገፍ ክንገብረልኩም ንኽእል ኢና። ብተወሳኺውን ኣብዚ በዳሂ ግዜ ካብ ገዛ ዘይምውጻእ ዘስዕቦ ተወሳኺ ጸቕጢ ኣብ ልዕሊ ዘለኩም ናይ ኣልያ ሓላፍነት ናይ ሞራል ደገፍን ምትብባዕን ክንገብረልኩም ንኽእል ኢና።  ብናይ ጥዕናን ማሕበራዊ ክንክንን (Health and Social care) ዝውሃብ ኣገልግሎት እንዳተገበረልኩም ከሎ ደገዝ ክንገብረልኩምን ከምኡውን ብዛዕባ ዘለኩም ሓላፍነት/ጾር ኣልያ ዝምልከት ኣድላይ ምርጫ ንኽትወስዱ ክንሕግዘኩም ንኽእል ኢና።

ዘለኩም ሓላፍነት/ጾር ከም ኣልያ ይቑጸር ዶ ኣይቑጸርን ወይ`ውን ሓገዝ ይምልከተኩምን ዘይምልከተኩምን ርግጸኛታት ምስዘይትኾኑ ነዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ተመልከቱ። ኣላይ ዝብሃል ገንዘብ ከይተኸፍለ ንናይ ጥዕና ጸገም ዘለዎ ኣባል ስድራቤት ወይ ዓርኪ/መሓዛ ዝኣሊ ሰብ ኮይኑ፡ እቲ ሓገዝ ዝግበረሉ ሰብ ድማ ብዘይ እቲ ዝግበረሉ ኣልያ ንቡር ዝኾነ ህይወት ክመርሕ ዘይክእል ክኸውን ኣለዎ። እቲ ናይ ጥዕና ጸገም ከም ኣካላዊ ስንክልና፣ ጉዳይ ጥዕና ኣእምሮ (ጭንቀት፣ ቅዛነት፣ ዘሰንብድ ወይ ዘስካሕክሕ ነገራት ድሕሪ ምሕላፍ ዘጋጥም ምዝንባላት ናይ ኣእምሮ)፣ ሕዱር ሕማም፣ ወልፊ (ዕጻ-ፋርስን ኣልኮላዊ መስተን) ወይ`ውን እርጋን/ክቱር ድኽመት ኣካላዊ ብቕዓት። ናይ ጥዕና ጸገም ዘለዎም ኣባላት ስድራቤት እንተድኣ ኣልዮም ኮይኖም፡ ኣላይ ክትከውን/ክትኮኒ ልዑል ተኽእሎታት ኣሎ።

ቤኪ ቫርናም (Becci Varnham) – ሰራሕተኛ ዕብየት (Development Worker) [ሰሉስ - ሓሙስ]
ቴለ: 0191 4900121 | ፋክስ: 0191 4900128
ኣድራሻ: ጆን ሃስወል ሃውስ (John Haswell House),8-9 ግላድስቶን ቴረስ (Gladstone Terrace),ጌትስሄድ (Gateshead),NE8 4DY
www.gatesheadcarers.com | ፌስቡክ | ትዊተር